ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሽወደን

ታሪኽ ኣመሰራርታ ቤትክርስቲያን ኣብ ሽወደን

 

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሽወደን

ሓጺር ታሪኽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ሽወደን- ኣመሰራርታኡ

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ዝቕመጡ  ምእመናን፡  ብእምነትን ባህልን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ከም ስርዓት ቃል ኪዳን /መርዓ/ ፡  ጸጋ ጥምቀት /ጥምቀት ቆልዓ / ንምርካብ ዘጋጥሞም  ንዝነበረ ሽግር ንምፍታሕ፡ ብግዱሳትን ውሑዳትን ኤርትራውያን ምስ ናይ ሸፕስሆልም ቤተክርስቲያን ኣገልጋሊ ዮሃንስ ፎርሻምሊን ኤርትራዊ ካህን ኣምጺኦም ንኽግልገሉ ብምስምማዕ፡ ኣብ መጀመርታ ሰማንያታት ከም ማሕበር ተመስሪታ።

ክሳዕ መጀመርታ ተሰዓታት ምስ`ቲ ኣገልጋሊ ካህን ቤተክርስቲያን ሸፕስሆልም ብዝገበርዎ ስምምዕ ፡  ኤርትራውያን መእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ብልምዲ    እንዳ ቅዱስ ሚካኤል ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤተክርስቲያን ስርዓት ቃል ኪዳንን ጸጋ ጥምቀትን ብዘይ ቋንቋኡን ባህሉን ክወሃቦ ጸኒሑ።

ኣብ መፋርቅ 1989 ነታ ሕጋውነት ዝተነፍጋ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን ሕጋውነት ንምልባስ ኣብ ዝግበር  ዝነበረ ጻዕሪ፡ ብኣጋጣሚ ኤርትራዊ ካህን ብምንባሮምን ብዝሒ ኤርትራውያን ምእመናን  ተመላለስቲ ቤተክርስቲያን  ኣብ ዳግመ ምስረታ እታ ማሕበር ዓቢ ተራ ነይርዎ።

ከምዚ ዝተገልጸ ብሓደ ካህንን ዲያቆንን ከምኡ’ውን ክልተ ሰልስተ ተሓጋገዝቲ ቤተክህነት ብውሕዳት መዕመናን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተቀያየረ ኣገልግሎት ክወሃብ ጸኒሑ ፣ነፍስሔር ኣቦና ር/ደ ያሬድ ተስፋማርያም ምስቲ ዝነበሮም ናይ ጥዕና ጸገምን ሽምግልናን ብዘይ ምስልካይ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ካብ ሆስፒታል ሞሊቖም ብምምጻእ ቤተክርስትያን የገልግሉ ኔሮም፣ በዚ ኣጋጣሚ ከይተጠቀሰ ክሕለፍ ዘይግባእ ዕረፍቲ ናይ ርእሰ ደብሪ ያሬድ ኣብ መበል 88 ዕድሚኦም ድሕሪ ን 22 ዓመታት ምግልጋል ብ 2011 ወርሒ ታሕሳስ ምዕራፎም ኩሉ ምእመን ዝተሰምዖ ሓዘን ዘይርሳዕን ኣብ ልቢ ኩሉና ዘሎን ከም ቅርሲ ቤተክርስትያና ኮይኖም ን ዘንትእለት ክንዝክሮም ኢና።

ምስ ዕድመ ምድፋእ ኣቦና እምበኣር፣ መተካእታ ካህን ካብ ኤረትራ ክምደብ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ብወግዓዊ መንገዲ ሰ/ጉባኤ ቅ/ማርያም ስቶኮሎም ንመ/ፓትርያርክ ሓቲቱ፣ቤት ጽሕፈት መ/ፓትርያርክ ኣስመራ ኸኣ ብ 15 ጥቅምቲ 2007 ፣ሓደ ካህን ንቅ/ማርያም ቤተክርስትያን ስቶኮልምን  ከባቢኣን ከገልግሉ ተመደበላ።

ካብ 2008 ወርሒ ሓደ ጀሚሩ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ማለት ቅዳሴ ቀዳም ዝነብረ ሰንበት ክኸውን ከሎ ካብ ሺስታ(kista)ከኣ ናብ ኣካላ(akalla) ብምስግጋር ኩሉ ግዜ ሰንበት ቅዳሴ ንመዕመናን ኣገልግሎት ክወሃን ጀመረ። ምስ ምምጻእ ሓድሽ ካህን ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ክሰፍሕ ከሎ፣ ዋሕዚ ምእመናን ዉን ብኡ መጠን ወሰከ። ቤተክርስትያና ኣገልግሎቱ ኣብ ስቶኮሎም ከይተሓጽረ ንኣብ ሽወደን  ዝርከባ ከተማታት ካብ 2007-2015 ክወሃብ ጸኒሑ፣ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኡፕሳላ አረብሩ፣ ያቭለ ሳንድቪከን፣ ሙታላ፣ ኖርሶፒንግ ፍሌን ካተሪናሆልም፣ ኪሮና፣ ያሊቫሪ፣ ሸለፍትዮ፣ ኡምዮ፣ ኖርድማሊን፣ ኤልስቪ፣ሉንድ፣ ማልመ፣ ዮንሸፒንግን፣ ቬስትሮስ፣ ኒብሩ፣ ኣኦስተሹንድ፣ ቦልኔስ፣ ያርቪሶ፣ ሱንድስቫል፣ ሾፒንግ፣ ሃልስትሃመር፣ ፋጌሽታ፣ ኖርቦሪ ፣ሄደሙራ፣. . .ወዘተከምኡ’ውን ንፊላንድን ኖርወይን ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ።ብሓንቲ ታቦት ቅ/ማርያም ንሽወደን ምሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ንምግማት ኣየሸግርን። ነዚ ንምፍታሕ ቡዙሕ ጻዕርታት ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2015 ኣወንታዊ ምላሽ ረከበ።

ከም ዝፍለጥ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብ ሃገረ ሽወደን ብተዓጻጸፈ ቁጽሪ ስለዝወሰኸ ብኡኡ መጠን ከኣ ካህናትን ድያቆናትን ብብዝሒ ናብ ሽወደን ስለዝመጹን ሕቶ ታቦት ውን ስለ ዝተፈትሐ ኣብ መላእ ሽወደን ኣገልግሎት ኣዝዩ ሰፈሐን ዓበየን።

ኣብ ወርሒ ክልተ 2015 ልዑካን ቅድስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ልቃስን ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን ተሓጋጋዚ ምምሕዳር ድያቆን ግርማይ ዘርኣይን ብቦርድ ኤውሮጳን ተሰንዮም ኣብ ዝመጽሉ ግዜ 9 ታቦታት ባሪኮምን ከምኡ ውን ማዕርገ ድቁናን ክህነትን ሂቦም። ካብዚዕም እቶም  ሸውዓተ ታቦት ን መላእ ሽወደን ተዋህቡ። ካብተን ዝተዋህባ ከተማታት ሽወደን ንምጥቃስ፠፠

  1. ቅ/ማርያም ኡምዮ
  2. ቅዱስ ሚካኤል ሳንድቪከን
  3. ኣ/ገ/መንፈስ ቅዱስ ሃኖሳንድ
  4. መድሃኔ ኣለም ኣስተሹንድ
  5. ቁስቃም ማርያም ኤስክልስቱና
  6. መድሃኔ ኣለም ፍሌን
  7. ደብረ ኢየሱስ ኣረብሩ ተዓዲሉ

ከምኡ ውን ሓደ ታቦት ኣቡነ ኣረጋዊ  ንቅድስት ማርያም ቤተክርስትያን ስቶኮልም ክወሃብ ከሎ እቲ ሓደ ታቦት ቅ/ሚካኤል ከኣ ንዴንማርክ ኮፐንሃገን ተዋሂቡ። ኣብ ሽወደን ክልተ ቤተክርስትያን ጥራይ ከም ዝነበራ ዝፍለት ኮይኑ ኣብዚ እዋን ግን ናብ  9 ቤተክርስትያንን ልዕሊ 30 ማሕበራትን ቆይመን ኣለዋ፣ሕጂ’ውን ብዙሓት ማሕበራት ታቦት ዝሓታ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ግዜ ቤተክርስትያና ነዚ ዝስዕብ ንጥፈታት ወይ ዕዮታት ኣብ ምግባር ትርከብ፠፠

ካብቶም ብ መርጌታ ወረደ ዝፈረዩ ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ፣ ማዕርገ ዲቁና ከም ዝረከቡን ካልኦት ቡዙሓት ድማ ይፈርዩን ይመሃሩን ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቤተክርስትያና  5 ካህናት፣ 1 መርጌታ፣ 17 ድያቆናት፣  17 ተምሃሮ ካብኣቶም 7 ማዕርገ ዲቁና ዝተቀበሉ ክህልዉ ከልዉ ካልኦት’ውን ሓደስቲ ተመሃሮ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ቤተክርስታያን ብቅርጻን ኣወዳድባን ብኣገልግሎትን ብጣዕሚ ሰፊሑን ምምሕዳራዊንን ፊናንሳውን ንጥፈታቱ ካብ ልምዳዊ ናብ ዘመናው’ን ትካላውን ኣሰራርሓ እናኣተኣታተወ ይርከብ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቤተክርስትያን ብጣዕሚ ልዕሊ ዓቀን ምዕመናን መሊኡ ቦታ ተሳኢኑ ክትርኢ ከልኻ በቲ ሓደ ወገን ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኪድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ ዝበሎ የሐጉሰካ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ቦታ ተሳኢኑ ኣዴታትን ኣደ ቆልዑን መንእሰያትን መዕመናን ቦታ ሲእኖም ክትርኢ ከለ ኽእ ብጣዕሚ ይስምዓካ፣ ስለዚ እቲ ዕዮ ቤተክርስትያን ምስራሕ ህንጻ ቅ/ማርያም ናይ ንኩሉና ሓላፍነት እዩ’ሞ ህጻናት ደቅና መንእሰያት የሕዋትና ከምኡ’ውን መዕመናን ኣቦታትን ኣዴታትን ግቡእ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝመሃርሉን ኣገልግልሎት ዝረኽብሉን ክግበረሎም ናይ ኩሉና ዕዮ ገዛ እዩ። ቤተክርስትያና ከም  ሓደራ እተመሓላልፎ እንተሃልዩ፣ ን ኩሎም ኣቦታት ኣዴታት መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ምስራሕ ቤተክርስትያን እጃምኩም ከተበርክቱ ቅድስት ቤተክርስትያን ትጽውዓኩም። ኣብዚ ከይተጠቅሰ ኽሕለፍ ዘይብሉ ነጥቢ ጉዳይ መንእሰያት ኮይኑ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብብዙሕ ሽግርን ጸገምን ናብዚ መጺኦም ኣለዉ ስለዚ ኩሉና ምዕመናን ነዞም ናይ ሎሚ ዕንባባ ናይ ጽባሕ ፍረ ዝኾኑ ተካእቲ ወለዶ ብእምነትን ስነምግባርን ክህነጹን ኣፍረይቲ ዜጋታት ክኾኑን ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ’ሞ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ኣበርክቶና ከነዕዝዝ ግዴታና ኮይኑ ይስመዓና። ቤተክርስትያን  ኣብዚ ግዜ እዚ ዓርቢ ናይ መንእሰያት መደብ ሰሪዓ ትምህር ኣላ።

Our Mission & Vision

Our vision and mission is to help connect people to faith

ኣብ ቀረባ

Mission & Purpose

ኣብ ቀረባ

Our Beliefs & Values

ኣብ ቀረባ

Unity

ኣብ ቀረባ

Liberty

ኣብ ቀረባ

Love

ኣብ ቀረባ

Salvation

ኣብ ቀረባ

Eternity

ኣብ ቀረባ

ታሪክ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ!

ቤተ ክርስቲያን
“ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ኣብቲ ሰዋስዋዊ ትርጕሙ ብዘይቤ ይኹን ብምሥጢራዊ ኣገላልጻ ሠለስተ ትርጕም ኣለዎ።
1. ንውሱን ቦታ የመልክት። እዚ ማለት ከኣ ናይ ምእመናን ቤት ዘመልክት ኮይኑ ‘ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኺድ’ ከም ዝበሃል እዩ። (መዝ.122፥1)
2. ስም እግዚአብሔር ጸዊዖም ዝእከቡ ምእመናን “ቤተ ክርስቲያን” ይበሃሉ እዮም። እዚ ትርጕም እዚ ወገንነት፤ ዜግነት ወይ ኣባልነት ናይ ክርስትና የመልክት። ኵሉ ካብ ያዕቆብ ዝተወለደ ቤተ ያዕቆብ ወይ ቤተ እስራኤል ከም ዝበሃል ማለት እዩ። ብመንፈሳውን ምሥጢራውን ልደት ካብ ክርስቶስ ንዝውለዱ ኸኣ ቤተ ክርስቶስ ኪበሃሉ ይከኣሉ እዮም። ምኽንያቱ ናይ ክርስቶስ ወገናት፡ ናይ መንግሥቱ ዜጋታት እዮም።
3. “ቤተ ክርስቲያን”፥ ሓድነት ኵሎም ክርስቲያን ማለት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ዘግብጽ፤ ቤተ ክርስቲያን ዘኤርትራ ዝብል ንባብ፤ ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ክርስቲያን ወይ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ክርስቲያን ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ማለት እዩ። ነዚ ሣልሳይ ትርጕም ንምንጻር፤ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ ኣብ ዝለኣኾ ሰላምታ “ትኤምኀክሙ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት እንተ ውስተ ባቢሎ እታ ኣብ ባቢሎን ዘላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰላም ትብለኩም” ይብል።

ነዚ ኣብ ቋንቋና ቋንቋ ግእዝ “ቤተ ክርስቲያን” ንብሎ ጽርኣውያን “ካሌዎካሎ” ካብ ዝብል ግሢ ብዘንቀልዎ ኤክሊሲያ ይብልዎ፤ ትርጕሙ ኸኣ ዝተጸውዐት ዝተኃርየት ማለት እዩ። እዚ ድማ ሕጂ ዝመጽአ ስያመ ኣይኮነን። ጽርኣውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፤ ኣብ ሃገር ዝኾነ ሽግር ምስ ዝወርድ፤ ንምፍትሑ ተመሪጾም ዝእከቡ ኤክሊሲያ ይበሃሉ ነበሩ። ኣብ ፪፻፹፬ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ንብሉይ ኪዳን ካብ ቋንቋ ዕብራይስጥ ናብ ጽርኢ ዝተርጐሙ ሰብዓ ሊቃውንት “ካሃል” ንዝብል ቃል ዕብራይስጥ “ኤክሊሲያ” ብምባል ተርጒሞምዎ ኣለዉ።
ኤቅሌስያ ዝብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ ኅሩያነ እግዚአብሔር ናይ እስራኤል ጉባኤ ዘመልክት ነበረ። ናይ እግዚአብሔር በዓላት ንምኽባር ዝእከቡ ዝነበሩ ኵሎም ሕዝቢ እስራኤል ኤክሊሲያ ይበሃሉ ነበሩ። (ዘዳ. 9፣10)። ኣብ ሓዲስ ኪዳን “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ብብዝኂ ተጻሒፉ ኣሎ። ትርጕሙን ምሥጢሩን ከኣ ንሰማያዊ ክብሪ ዝተጸውዑ ወይ ዝተኃርዩ ምእመናን ማለት እዩ። እቲ ርእሳ ክርስቶስ ወንጌል ይምህረሉ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ`ውን፣ ብምሳሌ ‘መንግሥተ ሰማያት’ መንግሥተ እግዚአብሔር’ እናበለ ዝገለጻን ብደሙ ዘጥረያን ኣካሉ እያ። (ማቴ. 16፣17-18)።
ቤተ ክርስቲያን ዘእግዚአብሔር፣ ቤተ ክርስቲያን ዘክርስቶስ ዝብልን ካልእን ንባብ ምስ ንርኢ፤ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን ዚተወሓደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ፣ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ እዩ።
ኣብ ሓዲስ ኪዳን ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ ምሳሌታት ትምሰል። ንኣብነት፣ መርበብ መግፈፊ ዓሣ (ማቴ. 13፣47)፣ ሥርናይ ዚዝርኣላ ግራት (ማቴ. 13፣24)፣ ፍረ አድሪ (ማቴ. 13፣31)፣ ክብርቲ ዕንቊ (ማቴ. 13፣45-46)፣ ቤት መርዓ (ማቴ. 22፣1-10 ዮሐ. 3፣1)።
ኣብ ዘመን ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ ስያሜታት ተጠቒሳ ትርከብ። “ቤተ ክርስቲያን ዘእግዚአብሔር፣ ቤተ ክርስቲያን ዘእግዚአብሔር አብ ወእግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ቤተ ክርስቲያን ዘክርስቶስ፣ ቤተ እግዚአብሔር፣ ማኅደረ እግዚእ፣ ዘእግዚእ፣ ቤተ እግዚእ” እናበሉ ምሥጢሮም ሓደ ብዝኾነ ዝተፈላለዩ ቃላት ይጽሓፉ ነበሩ።
ብዕድመ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሠለስተ ትኽፈል’ያ፦
፩. ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝነበረት ሓድነት መላእኽቲ።
፪. ካብ ኣቤል ክሳዕ ሓድሽ ኪዳን ናይ ዝነበሩ ሓድነት ቅዱሳን ሰባት።
፫. ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣማናዊት ሓድነት ክርስቲያን።
ከምኡ’ውን ሊቃውንት ካልኦት ተወሰኽቲ ምሳሌያት ቤተ ክርስቲያን ምሂሮም እዮም። ንኣብነት ቤተ ክርስቲያን ብመርከብ ኖኅ ትምሰል እያ። ናይ ኖኅ መርከብ ነቶም ኵሎም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ፍጥረታት ካብ ጥፍኣት ማየ ኣይኅ ከም ዘድኃነቶም፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብክርስቶስ ኣሚኖም ናብኣ ንዝቐርቡ ምእመናን ካብ ሞተ ነፍስ ካብ ኃጢአት ተድኅኖም እያ። መርከብ ኖኅ እተድኅን ብሥጋ፣ ቤተ ክርስቲያን ተድኅኖ ድኅነት ግና ብነፍስ ስለ ዝኾነ፣ ቤተ ክርስቲያን ካብ መርከብ ኖኅ ትበልጽ እያ። ከምኡ`ውን ኣብ መርከብ ኖኅ ዝኣተዉ ኣራዊት፣ ካብ ኣራዊትነቶም ኣይተለወጡን፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣቱ ግና፣ ቤተ ክርስቲያን ንዘማዊ ድንግል ንኃጥእ ጻድቕ ንሰራቒ መጽዋቲ ትገብር።
ቤተ ክርስቲያን ብሓመድ ትተሓነጽ፣ ብእምኒ ኾነ ወርቂ ሓንቲ ሕዝበ ክርስቲያን ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቓል ተናጋሪ ኮይኖም ሃይማኖቶም ዘጽንዑላን ዝምስክሩላን ቤት ስለ ዝኾነት ንሳ ሓንቲ እያ። ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን” በታሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን ከም ዝበሎ እዩ።
ቤተ ክርስቲያን፣ ክርስቶስ ብደሙ ኣንጺሑ ስለ ዝቐደሳ ከምኡ`ውን ናይቲ ብባህርይኡ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር መኅደሪት ስለ ዝኾነት፣ ቅድስቲ እያ። ኤፌ. 5፣26, ግ.ሐዋ. 20፣28። ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስለ ዝኾነት ከኣ እያ ብኃጢኣት ብኽሕደት ረኺሶም ንዝነበሩ እሞ ናብኣ ንዝተመልሱ ትቕድስ። ኤፌ. 2፣5, ቈላስ 1፣21
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርባዕተ መኣዝናት ዓለም ተዘርጊሓ ስለ ትርከብ፣ አጽናፋዊት እያ። ቤተ ክርስቲያን ብቦታ፣ ብዘርኢ፣ ብቛንቋ ይኹን ብዓሌት ኣይትፈላለን እያ። ሓዋርያት ንምልእቲ ዓለም ወንጌል ኪሰብኩ ዝተላእኩላ፡ ዝሓነፅዋን ንምጕሳያ`ውን ደሞም ዝኸፈሉላን ስለዝኾነት ሓዋርያዊት ትበሃል እያ።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር!

ምንጪ ልሳን ተዋህዶ

 

Who We Are

Our Team & Leadership

 

ርእሰ ቤተ ክርስትያና: ቐሺ XXXX

ርእሰ ቤተ ክርስትያና: ቐሺ XXXX

ቐሺ

xxx yyy

ኣባል ሰበኻ ጉባኤ

xxx yyy

Worship Leader

xxx yyy

Production Director

xxx yyy

Live Groups Leader

xxx yyy

Administrative Assistant

xxx yyy

Associate Pastor

xxx yyy

Communications Director

xxx yyy

Creative Director

ብዙሕ ግዜ ዚሕተቱ ሕቶታት

ኣብ ቀረባ

ኣብ ቀረባ

ኣብ ቀረባ

ኣብ ቀረባ

ኣብ ቀረባ

ኣብ ቀረባ